ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን፥ መዐቀኒ ንዘማልኡ ኣካላት ብዘይኣፈላላይ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን፥ መዐቀኒ ንዘማልኡ ኣካላት ብዘይኣፈላላይ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ካብ 26 ሃገራት ከለላን ሓለዋን ደሊዮም ንዝመፅኡ ልዕለዒ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ሓለዋን ከለላን ትህብ ከምዘላ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ካብቶም ስደተኛታት እቶም ዝበዝሐ ቁፅሪ ዘለዎም፥ ካብ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ሱዳንን ኤርትራን ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ገሊፁ።
እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘፅለሉ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ማእሰርቲን ምጉልእላእን ይበፅሖም ኣሎ በዝብል ዝውዛዕ ዘሎ ሓበሬታ ትኽክል ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዘነፃፀረ ማእሰርትን ምንክልባትን ይፍፀም ኣሎ” ብዝብል ሚዲያታት ወፃኢን ውሽጢ ዓዲን ዝውዝዕዎ መረ መሰረት ኣልቦ ከምዝኾነ እቲ ኣገልግሎት ገሊፁ።
ነቲ ፀብፃብ ሚዲያታት ስዒቡ እቲ ኣገለግሎት ብመሰረት ዝገበሮ ምፅራይ፥ ሕጋዊ ኣፍልጦ ስደተኛታት ሃሊዩዎም ንማእሰርቲን ምንክልባትን ዝተቓልዑ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምህላዎም ኣረጋጊፀ ኣለኹ ኢሉ።
ሕግን ስርዓትን እዛ ሃገር ብምግሃስ ንማእሰርቲ ዝተቓልዕሉ ኩነታት እንተሃሊዩ፥ እቲ ኣገልግሎት ምስ ዘምልከቶም ኣካላት ብምዃን ከምዝከታተሎ ኣፍሊጡ።
ብተመሳሳሊ ምዝገባ ስደተኛታት ደው ኢሉ ኢዩ ብዘብል ዝንዛሕ ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።