Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ምሃብ ሓዱሽ ፓስፖርት ኣብ መቐለ ክጅመር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መቐለ ኣገልግሎት ሓዱሽ ፓስፖርት ብኦንላይን ምሃብ ከምዝጅምር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ኲናት ኣገልግሎት ፓስፖርት ጠጠው ኣቢሉ ዝፀነሐ ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ጨንፈር ቤትፅሕፈት መቐለ÷ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣገልግሎት ምሕዳስ ነባር ፓስፖርት ከምዝጀመረ ይፍለጥ።

ካብ 13 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ኣገልግሎት ሓዱሽ ፓስፖርት ብኦንላይን ምሃብ ከምዝጅምር ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምጅማር ኣገልግሎት ምሃብ ሓዱሽ ፓስፖርት÷ ዜጋታት ሓዱሽ ፓስፖርት ንምውፃእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ እንትመፅኡ ክበፅሖም ካብ ዝኽእል ምንግልታዕ ንኽናገፉ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.