Fana: At a Speed of Life!

ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስውራን ብርሃን ተምሃሮ ተቐቢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሃነፀ ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስውራን ብርሃን ተምሃሮ ተቐቢሉ፡፡

እቲ ቤት ትምህርቲ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብምትሕብባር ገበርቲ ሓገዝ ተሃኒፁ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተረከበ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ 24 ክፍሊታት ሕድሕዶም 16 ተምሃሮ ከምዘተኣናግዱ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ንዓይነ ስውራን ምቹው መሰረተ ልምዓት ተማሊኡሉ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝተመረቐ ይዝከር።

ካብ 9ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝርከቡ 312 ተምሃሮ ካብ መላእ ክፋላት ሃገር ከምዝተቐበለ ተሓቢሩ።

ቀደማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ብምርካብ ነቶም ተምሃሮ መልእኽቲ ’እንኳዕ ደሓን መፃእኹም” ኣመሓላሊፈን።

ካብዚ ብተወሳኺ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብቲ ኣዳሪ ቤት ትምህርቲ ንዝርከቡ ተምሃሮ ንንባብ ዝሕግዝ ኦርካም ቴክኖሎጂ ኣበርኪቱ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.