Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባን ቻይናዊት ከተማ ፉጃን ሕውነታዊ ከተማታት ንምምስራት ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባን ቻይናዊት ከተማ ፉጃን ሕውነታዊ ከተማታት ንምምስራት ዘኽእል ስነስርዓት ምንባር ክታም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ቤጂንግ ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምንባር ክታም፥ ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምውካል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ተሸመ ቶጋ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ኣብቲ ሰነድ ክታሞም ኣንቢሮም፡፡

እቲ ሰነድ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን ክፍለ ሃገር ፉጃን ኣብ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ባህሊ፣ ቱሪዝም፣ ትምህርቲ፣ ስፖርትን ጥዕናን ልምዲ ንምልውዋጥን ምትሕብባር ምግባር ከምዝሕግዝ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፀን ኣፍሊጠን።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ምትእስሳር ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ዘለወን እምነት ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.