ኣይ ኤም ኤፍ ግምታት ምዕባለ ኢኮኖሚ ዓለም ብ3 ነጥቢ 2 ሚኢታዊት ኣትሒቱዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ግምታት ምዕባለ ኢኮኖሚ ዓለም ብ3 ነጥቢ 2 ሚኢታዊት ኣትሒቱዎ።
ዓለም ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝቕባበ ዋጋ፣ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ጎንፂ ዩክሬንን ኣብ ልዑል ፀገም ጥሒላ ምህላዋ ስዒቡ ኢዩ ኣይ ኤም ኤፍ ነቲ ግምት ዕብየት ብ0.4 ሚኢታዊት ትሕት ኣቢልዎ።
እቲ ትካል ኣብ ኣሜሪካ፣ ቻይናን ኣውሮፓን ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ዘሕድር ዘሎ ሓቂ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እተን ሃገራት ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንላዕሊ ከብ ዝበለ ናህሪ ዋጋ የጋጥመን ከምዘሎ ድማ ገሊፁ።
እዚ ድማ ብብርኪ ዓለም ምንቅስቓስ ፋይናንስ ኣብ መንቀርቅሮ ከምዘእትዎ ሓቢሩ።
ምክፍፋል ጂኦ ፖለቲካ ብብርኪ ዓለም ዘሎ ንግዲን ምትሕብባርን ብዝበለፀ ከተዓናቕፍ ከምዝኽእል ገሊፁ።
ስለዝኾነ ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ 2022 ንዝማዕበላ ሃገራት ናይ 2 ነጥቢ 5 ሚኢታዊት ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዝህሉ ትንበይኡ ኣቐሚጡ።
ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ድማ 3 ነጥቢ 6 ሚኢታዊት ኢከኖሚያዊ ምዕባለ ከምዝህሊ ኢዩ ግምቱ ገሊፁ።
ፍልፍል፦ ሲ ጂ ቲ ኤን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።