Fana: At a Speed of Life!

ኣይ ኤም ኤፍ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ )ንዘላቒ ልምዓትን መዕባለን ኢትዮጵያ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት ዘለዎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ኣፍሊጡ።

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተዛቲዩ።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምሕረቱ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ተክለወልድ ኣጥናፉን ተሳቲፎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጡ ዘለዉ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢሉውን ምስ ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ ቀፃሊ ጠመተ ብዛዕባ ዝግበረሎም መትሕብባራት ምዝታዮም ኣብ ኤምባሲ ኢትዮ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፥ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብፍላይ ዓውዲታት ኢኮኖሚ ንምጉልባት ኣብ ዝካየዱ ተግባራት ኣስተዋፅኦ ኣይ ኤም ኤፍ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምግላፅ አመስጊኖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ፥ ነቲ ኢኮኖሚ ኣብ መጥንኻር፣ ንምምዕባለን ኩለ መዳይ ምዕባለ ንምርግጋፅን ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ብወሃባይነት ኣመራርሓ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣቢሉ ናብ ትግበራ ምዕራፍ መሽግጋሩ ብምሕባር፥ ኣብ ዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘሎ ጉድለት ምቕራፍ ሓዊሱ ነቲ ዓውዲ ዕብየት አወንታዊ ግደ ዘበርክልት ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.