Fana: At a Speed of Life!

ኣይኤስ ሓይሉ ዳግማይ ኣብ ዒራቕ የደልድል ከም ዘሎ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ሓይሊ ኣይኤስ (ዳዕሽ) ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ዒራቕ ዝነበሮ ግዝኣታት ድሕሪ ምኽሳሩ ሓይሉ ዳግማይ ይደላደል ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ኩርዳውያንን ኣብ ምዕራብ ዒራቕ ዝርከቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ፥ ዝተራቕቐ ስርሒታትን መጥቃዕታትን ኣይኤስ ይውስኽ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፀረ ግበረሽበራ ኩርዳውያን ዝኾነ ላሁር ታላባኒ፥ መጥቃዕታት ዳዕሽ ልዕሊ ናይ ኣልቓዒዳ ክእለት ዝተሓወሶን ዝተራቐቐን ምዃኑ ይሕብር።

“ኣብ ቴክኒክን ታክቲክን ከምኡ’ውን ብዝውንንዎ ብዝሒ ገንዘብ ኣብ ዝልዓለ ደረጃ’ዮም ዝርከቡ” ድሕሪ ምባል “መካይን፣ ወተሃደራዊ ብረት፣ እኹል ትሩፍ መግቢ ከገዝእ ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎም” ይብል።

ላሁር ታላባኒ፥ ኣይኤስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ውሱን ቦታ ሒዙ ምውጋእ “ታርጌት” ይገብር ስለ ዘሎ ቦታ ሒዝካ ናይ ምውጋእ ድሌት ከም ዘይብሉ ብምሕባር ልክዕ ከም ናይ ኣልቓዒዳ ኣብ ጎቦታት ሃምሪን መበገሲ ተጠቒሙ ስርሒታቱ የካይድ ብምህላዉ ካብ ቅድሚ ሕዚ ፍልይ ከም ዝብል ይሕብር።

“ጎቦታት ሃምሪን ቀንዲ ደጀን ኣይኤስ’ዩ ኮይኑ ዘሎ፤ እዚ ዝርግሐ ዘለዎ ሰንሰለታዊ ኣኽራን ብዙሓት በዓትታትን ሽንጭሮታትን ስለ ዘለዎ ሰራዊት ዒራቕ ንክቆፃፀሮ ኣፀጋሚ እዩ” ይብል።

እዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንኣይኤስ ጽቡቕ ዕድል ከም ዝተጸረሎም ዝዛረብ ላሁር፡ ምስ ሰዓብቶም ዝኾኑ ሱኒ ስምረት ንኽፈጥሩ ዕድል ከም ዝኸፍተሎም ይሕብር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.