Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር  ብብርኪ ክልል ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

ብኲናት ዝዓነወ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ንምሕዋይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ሕብረተሰብ ተሳታፋይ ክኸውንን ኣይተ ጌታቸው ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ኩሉ ሰብ በቢከባቢኡ ፈልሲ ብምትካል ኣብ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ብፅሒቱ ንክፍፅም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 35 ሺሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን ካርታ ተኸላ ፈልሲ ከምዝተዳለወ ቢሮ ሃፍቲ ተፈጥሮን ሕርሻን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ምግላፁ ይዝከር።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን እዋን ክረምቲ ዝትከሉ ፈልስታት እኹል ክንክንን ሓለዋን ንክግበረሎም ዘኽእል ካርታ ይዳሎ ከምዘሎ እውን ተዛሪቡ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.