Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ልምዓታዊ ተራድኦን ምትሕብባርን ስዊድን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ልምዓታዊ ተራድኦን ምትሕብባርን ስዊድን (ሲዳ) ጃኮብ ግሬተን ተዛቲዮም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ዳግመ ሕውየትን ትግራይ ኣብ ትጠልቦም ዋኒናት ጠሚቶም እውን ተመያይጦም።

ዳይሬክተር ኤጀንሲ ዓለምለከ ልምዓታዊ ትሕብብር ስዊድን (ሲዳ ) ጃኮብ ግሬንት ብግደኦም÷ ኩለመዳይ ደገፋት ስዊድን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ኲናትን ንዕኡ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ድርቅን ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ግዘ ዘይህብን ህፁፅ ተግባራዊ መልሲ ከም ዝጠልብን እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

እቶም ዳይሬክተር ኣብ ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዛት እናነጠፉ ምስ ዝርከቡ ዓለም ለኽ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ትካል ምግቢ ዓለምን ከምኡ እውብ ካልኦት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዛዕባ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላቅው፤ ኣብ ጊዝያዊ መዕቒቢ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝርከቡ ወገናትን ንምሕጋዝ ዘላቒ ፍታሕ ኣብ ምንዳይን ዝዓለመ ልዝብ ከምዘካየዱ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.