Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ምስ ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ከተማ ማይጨው ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ሕብረተሰብ ምስ ዝተወከሉ ነበርቲ ከተማ ማይጨው፣ ተመዛበልቲ ወገናትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ተሳቲፎም።

ኣብ ህልዊ ኩነታት ክልል ትግራይን እቲ ዞባን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ እንትኸውን÷ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ ተሳተፍቲ ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን መብርሂ ምላሽን ከምዝሃቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.