Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኽ ዩኒሴፍ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብዳይሬክተር ትካል ኣድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ( ዩኒሴፍ) ኢቫ ካድሊ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ትካል ዩኒሴፍ ህፃናት ትግራይ ከጋጥሞም ዝኽእል ሕፅረት ምግቢ ኣብ ምፍታሕ ቕድሚ ኲናትን ድሕሪ ኲናትን ዝሰርሖ ስራሕ ልዑል ክብሪ ኣለኒ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ዩኒሴፍ ብሰንኪ ድርቂ ይሞቱ ንዘለዉ ህፃናት ክሪእን ነዚ ተገንዚቡ ሓገዙ ዝያዳ ኣጠናኺሩ ክቕፅልን ይግባእ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ኲናትን ድርቅን ተፀባይ ሓገዝ ኮይኑ ኣሎ እውን ኢሎም።

ስለዝኾነ ዩኒሴፍ ኮነ ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላት ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝንቐሳቐስሉ እዋን መንግስቲ ትግራይ ኣድላይ ደገፍ ክገብር ድልው ምዃኑ ገሊፆም።

ዳይሬክተር ዩኒሴፍ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ኢቫ ካድሊ ብግደአን፥ ዩኒሴፍ ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ቅልውላው ኣብ ህፃናት ዘጋጥም ሕፅረት ምግቢ ኣብ ምፍታሕ፣ ፅሬቱ ዝሓለወ ማይ ኣብ ምቕራብ፣ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ኣብ ምግባር ዝሰርሕ ትካል እዩ ኢለን።

ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ከጋጥም ዝኽእል ሕፅረት ምግቢ ህፃናትን ካልኦት ፀገማትን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዓሊሙ ክሰርሕ እዩ ምባለን ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.