Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ታንዛኒያን መዘነኦም ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ማሪ ቱምባ ንዜዛን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ታንዛኒያ ፕሮፌሰር ፓላማ ጋምባ ጆን ካቡዲ ተዛትዮም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ጎናጎድኒ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኢዮም ምስ መዘናታቶም ዝተዛተዩ።

እቲ ዘተ ኣብ ክልተኣዊ፣ ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ዘድሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ተፋሰስ ሃገራት ሩባ ኣባይ እናዓበየ ዝመፅአ ናይ ምልማዕ ድሌት ምዕዋት ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ተሓጋጊዝካ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢዩ።

ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ማሪ ቱምባ ንዜዛ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኢትዮጵያን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዘለወን ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ብዝምልከት ዘትዮም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኮንጎ ኣብ ዝገብሮ በረራ እናዓበየ ምስ ዝመፅአ ቁፅሪ ተጓዓዝቲ ንኽጠዓዓም ተወሳኺ ዘተን ምትሕብባርን ምግባር ከምዝግባእ እቶም ሚኒስትራት ገሊፆም።

ኣይተ ገዱ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ታንዛኒያ ፕሮፌሰር ፓላማ ጋምባ ጆን ካቡዲ ኣብ ዝገበሩዎ ተመሳሳሊ ዘተ፥ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ምክያድን ምስ ተፋሰስ ሩባ ኣባይ ብዝተትሓሓዘ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ብዝምልከት ተዛትዮም።

ኣይተ ገዱ፥ መንግስቲ ታንዛኒያ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝን ኣብ ቀረባ እዋን ንመህነፂ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝኸውን መሬት ምሃቡን ብዝምልከት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ፕሮፌሰር ፓላማጋምባ ጆን ካቡዲ ብግደኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ዘበናት ዘቑፀረ ርክብ ከምዘለወንን እቲ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር ከምዝግባእን ገሊፆም።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂበን እናገበረኦ ዝርከባ ድርድር ኣመልኪቶም ነቶም ሚኒስትራት መብርሂ ምሃቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.