Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ብዘስዓቦ ሓደጋ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ኣብ ክልል ሲዳማ ዞባ ማእከላዊ ሲዳማ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ብዘስዓቦ ሓደጋ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ኣብቲ ወረዳ ትማሊ ዝዘነበ ዝናብ ብዘስዓቦ ሓደጋ ጋህሲ መሬት 6 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠሞም ይዝከር።

ስለዝኾነ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ኣብ ዘማሓላለፍዊ መልእኽቲ ሓዘን፥ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ቤተሰብ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

መንግስቲ እቲ ክልል ግቡእ ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ብምሕባር፥ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ተመሳሰልቲ ፀገማት ከጋጥሙ ስለ ዝኽእሉ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንክገብር ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.