ኣይተ ደስታ ሌንዳሞ ኣብ ዞባ መተከል ሰላም ንምኽባር ዝተዋፈሩ ፍሉይ ሓይሊታት ጎብኒዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌንዳሞ ኣብ ዞባ መተከል ወረዳ ዝባጤ ሰላም ንምኽባር ዝተዋፈሩ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሲዳማ ጎብኒዮም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ “ትንሳኤ ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ሓይሊታት ክብራ ንምካእ ክፍትኑ ይኽእሉ ኢዮም፤ ይኹን እምበር ብሰራዊት ምክልኻልን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ተወጊዱ ናብ ብራኸ ምዕባለ ክንወፅእ ኢና” ኢሎም።
ፍሉይ ሓይሊ ሲዳማ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ቀጠና ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ልኡኻት ሓይሊታት ጁንታ ንምህዳን ዝተውሃቦም ልኡኽቶ ኣብ ምውፃ ከምዝረከቡ ተዛሪቦም።
እቶም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዝጎብነዩ ኣይተ ደስታ፥ ኣብ ግምባር ሰሜንን ዞባ መተከልን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተኸፈተ ሓበራዊ ኲናት ብሓባር ብምምካት ዝቕፅ ጋዱሽ ዓመት ምስ ህዝቢ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ፣ ብባህሊ፣ ልምዓትን ሰላምን ብሓባር ከምዝስራሕ ኣፍሊጦም።
ክልል ሲዳማ ኣብ ዞባ ሕጊ ንምኽባር ንዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ዝኸውን 20 ሰንጋ ኣብዑር ሲዳማ፣ ነቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣምቡላንስን ካልኦት ሓገዛትን ከምዘበርከተ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ መተከል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ብግደኦም፥ መንግስቲ ኣብቲ ቀጠና ዝተወለዐ ፀገም ፀፅታ ብልዝብ ንምፍታሕ ፃዕሪ እናገበረ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
ይኹ እምበር ጉጅለ እቲ ሽፍታ ምቕታል ስለዝመረፀ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሰራዊት እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ መንግስቲ እቲ ክልል ከምዝድግፎ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።