ኣይተ ደመቀ መኮንን ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ዘንበሮም ኣንፈታት ኣብ ምትግባር ኢትዮጵያ ቁርፀኛ ኢያ ኢሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ዘንበሮም ኣንፈታት ኣብ ምትግባር ኢትዮጵያ ቁርፀኛ ኢያ ኢሎም።
ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ(ኦኢሲ) ፈላማይ ፍሉይ ጉባኤኡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ዋና ፀሓፊ እቲ ትካል ሼክ መንሱር ቢን ሙሳላም፣ መዳርግቲ ኣካላት ተምህርቲ፣ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካን ካለኦትቨ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ማዕርነት፣ ፍትሓውነትን መሰረት ዝገበረ ምትሕብባር ምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ዘተ ፖሊሲ ከምዝገበር ተገሊፁ።
ኣይተ ደመቀ፥ ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ትምህርቲ ዘንበሮም ኣንፈታት ኣብ ምትግባር ኢትዮጵያ ቁርፀኛ ኢያ ኢሎም።
እቲ ትካል ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዘጋጥመን ዘሎ ፀገማት ኣብ መቕራፍ ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም።
ሼክ መንሱር ቢን ሙሰላም ብግደኦም፥ ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋትን ማሕበረ ኢኮኖ0ሚያዊ ልምዓት ወፅኢታዊ ንምግባርን እተን ኣባል ሃገራት ዝኽተልኡ ሓጋዚ ትምህርቲ ግደ ንክህልዎ ምኽኣል ንመሰረታዊ ለውጢ ዓብዪ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።