Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝተሾሙ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዝተሾሙ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ዝተዛተዩ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣውስትራሊያ፣ ጋና፣ ጣሊያን፣ ቱርኪ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ደቡብ ሱዳንን ሴኔጋልን ምስ ዝተሸሙ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ኢዩ።

ተሸምቲ ኣምባሳደራት ኣብ ዝተሸሙለን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ዜጋ ተኮርን ዲፕሎማሲ ዘሳልጡዎም ተግባራት ዝሓዘ ትልሚ 100 መዓልቲታት ኣቕሪቦም ተመያይጦም።

ኣይተ ደመቀ ትልሚ እቶም ኣምባሳደራት መሰረት ብምግባር ኣብ ዘሃቡዎ መምርሒ ስራሕ ዝተመደቡለን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ከምኡ እውን ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ካብዚ ብተዋኺ ድማ መሰል፣ ረብሓን ድሕንነትን ዜጋታት ንምሕላው ዘኽእሉ ተግባራት ብዕቱብ ክሰርሑ ይግባእ ኢሎም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒሰስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብግደኦም፥ እቶም ኣምባሳደራት ስረሖም እንተሳልጡ ምስ መፈፀምቲ ትካላት ኢትዮጵያ ጥቡቕ ምትእስሳር ብምፍጣር ምስራሕ ከምዘድሊ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተወሰኑ ኣካላት ናይ ሕሶት ሓበሬታ ብምፍናው ፅቡቕ ምሽሊ እዛ ኃገር ንምብልሻው እናተንቀሳቐሱ ከምዝኾኑ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣብ ስራሕቲ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ትኹረት ምግባር ጭቡት ኩነታት ኢትዮጵያ ግንዛበ ምፍጣር ከምዘድሊ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረሐብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.