Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ኣድሂቦም ምስ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ኣብ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ኣድሂቦም ምስ ኣመራርሓታት ትካላት መኽበርቲ ሕጊ ተዛቲዮም።

ኢትዮጵያ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት ኣብ ቀረባ እዋን ዘውፀኦ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዋደደ ኮሚቴ ሚኒስትራት ምጥያሹ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ድማ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ኣዋጅ ምስ ዘፈፅሙ ትካላት ማለት እውን ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብሄራዊ ድሕንነትን ካልኦት ኣካላት መኽበርቲ ሕጊን ተዛቲዮም ኣለዉ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻል መምርሒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ተግባራዊ ምግባር ይግባእ።

ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኢትዮጵያ ዘውፀአቶ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ተፈፃሚ ንኽኸውን ዓቢዪ ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።

ብደምቡ መሰረት ዝተጣየሸ ኮሚቴን ትካላት መኽበርቲ ሕጊን ተዋዲዶም ኣወንታዊ ስራሕ ብምስራሕ፥ እቲ ፀገም ንምሕላፍ ዘኽእሉ ናይ ሓባር ግንዛበ ንምፍጣር ዓሊሙ ዝተዳለወ ዘተ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢት ሕጊ ፌዴራል ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ትሕዝቶ ደምቢ መፈፀሚ ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ዝምልከት ፅሑፍ ኣቕሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.