Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣባላት ማእኸል ታሪኽ፣ ሓድጊን ትምህርቲን ፀለምቲ ህዝቢታ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣባላት ማእኸል ታሪኽ፣ ሓድጊን ትምህርቲን ፀለምቲ ህዝቢታ ዓለም ተዛቲዮም።

መቐመጢኡ ኣብ ለንደን ዝገበረ ማእኸል ታሪኽ፣ ሓድጊን ትምህርቲን ፀለምቲ ህዝቢታ ዓለም፥ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣን ኣዲስ ኣበባ ክኸፍት ክዝደሊ ኣፍሊጡ፡፡

ኣባላት እቲ ማእኸል ሎሚ ምስ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዝገበሩዎ ልዝብ፥ እቲ ማእኸል ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸፍት ዝደለየሉ ምኽንያት ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽን ናፅናትን ፀለምቲ ህዝቢታት ኣፍሪካ ቁልፊ ግደ ስለዘለዋ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ናይ ዘበናት ስርዓተ-ታሪክን ባህሊን ኣፍሪካውያን ኣብ ሓደ ቦታ ክተኣኻኸብ ከምዝግባእ ብምሕባር ኢትዮጵያ እዚ ንምትግባር ቀንዲ ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንማእኸልነት ብምምራፃ ብምምስጋን፤ መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.