Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ቡሩንዲ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ቡሩንዲ ኣቲዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት ስራሕ እናገበሩ እንትኾኑ÷ ኣብ ታንዛኒያን ኮሞሮስን ፃንሒት ገይሮም ኢዮም፡፡

ቡሩንዲ ሳልሰይቲ ዑደት ዝገብሩላ ሃገር እንትትከውን ትማሊ ምሸት ናብ ከተማ ቡጁምቡራ ኣቲዮም፡፡

ኣብቲ ቦታ እንትነፅሑ ድማ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ፃንሒቶም÷ ምስ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኤቭርስቴ ኒዲሽሚዬ ኣብ ክልተኣዊን ሓበራዊ ጉዳያትን ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ዳይሬክቶሬት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.