Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ቦርግ ብሬንድ ተዛቲዮም፡፡

እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ንመበል 54 ግዘ ኣብ ዳቮስ ስዊዘርላንድ እናተኻየደ ዝርከብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ኢዩ፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ እዋናዊ ዝላታት ቁጣባዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ምሃም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

መንግስቲ ምዕባለ ክቕፅል ንምግባርን ፍሰት ኢንቨስትመንት ንምድንፋዕን መሰረታዊ መመሓየሺታት ምግባሩ እውን ኣብሪሆም፡፡

ቁልፊ ዝኾኑ ዓውዲታት መሰረተ ልምዓት ንምስፋሕ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ÷ ኢትዮጵያ ብናይባዕላ ዓቕሚ ዝሃነፀቶ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከም መርአዪ ፀሪሖም፡፡

ዘፈር ግልጋሎት ተበፃሒ ንምግባር፣ ትካላት ፋይናንስ ንምምሕያሽን ብፅሒት ክፍለ-ኢኮኖሚ ውልቀ ንምድንፋዕን መንግስቲ ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ቦርግ ብሬንድ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ንዓመታት ብዘይምቁራፅ ንዝቐፀለቶ ተሳትፎ ኣመስጊኖም።

እቲ ፎረም ኣብ ቀፃሊ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝደሊ እውን ኣመልኪቶም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.