Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 41 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት ተዛቲዮም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ነቶም ፕሬዚዳንት ኣብፂሖም።

ኣብ እዋን ዘተኦም ድማ፥ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳን ኣብ ክልተኣዊ፣ በዓል ብዙሕ ወገንን ዞባዊ ጉዳያትን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ኣብ ዘኽእል ጉዳይ ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ መሰረት ልምዓት ንምትሕብባር ጥንኩር ስራሕቲ ምትሕብባር ንምስራሕ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ተገሊፁ።

ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት እውን ተመያይጦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን መስቶም ፕሬዚዳንት ዝነበሮም ልዝብ ምስ ዛዘሙ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ጀምስ ሞርጋን ብምዃን ብሓባር ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.