Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቪኒ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቪኒ ተዛቲዮም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ መንግስቲ ዝጀመሮ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ናይ ምምብራህ ፃዕሪ ክድግፉ ዝሓዘ መልእኽቲ ነቶም ፕሬዚዳንት ኣብፂሖም።

ምስ ፕሬዚዳንት ሙሴቬኒ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ድማ ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝምልከት ገለፃ ገይሮም።

ፕሬዚዳንት ሙሴቬኒ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ብባዕደዊ ወራር ዘይተገዝአት ሃገር ከምዝኾነትን እዚ ድማ ንዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ኩርዓት ከምዝኾነን ገሊፆም።

ሰላም ኢትጵያ ነቲ ዞባ ወሳኒ ምዃኑ እውን እቶም ፕሬዚዳንት ተዛሪቦም፡፡

ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፥ ናብ ልዕሊ ሽዱሽተ ዝኾና ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዑደት እናገበረ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.