Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝፀንሐ ርክበን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ገይሮም፡፡

ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ ምፍታሕ ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ከምዝተዛተዩ እውን ካብ ሚኒሰስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ሱዳን ዝተፈጠረ ጎንፂ ብፃዕሪ ህዝቢታት እታ ሃገር ንኽፍታሕ ኢትዮጵያ ሃናፂ ግደ እናተፃወተት ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

ማይክ ሃመር ብግደኦም÷ “ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንኽረጋገፅ ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ” ኢሎም፡፡

ኣብቲ ዞባ ዝረኣዩ ፀገማት ፈተንቲ እናኾኑ ምምፀኦም ዝገለፁ እቶም ፍሉይ ልኡኽ፥ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝተዋደደ ፃዕሪ ንኽገብር ፀዊዖም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.