Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዡ ቢንግ ዘቲዮም።

ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ዝጀመረቶ ኩለ መዳይ ሰትራቴጂካዊ ሽርክና ከባቢ ኣየር  ዕላዊ ንክኸውን ቁርፀኛ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንእትገብሮ ደገፍ ዘሎ ሽርክና ልምዓት እውን ንኢዶም።

ብተወሳኺ ኣብ ምፍታሕ ፀገማት ዓውዲ ፀፅታ፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣፍሪካ እትገብሮ ዘላ እወንታዊ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።

ኣብ ኩለ መዳይ መድረኽ አትገብሮ ኣብ መትከል ዝጠመተ ደገፍን ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ንክትሕወስ ንዝገበረቶ ደገፍን ኣፍልጦ ሂቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንክኸውን ቁርፀኛ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ዡ ቢንግ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከልቲኣዊ ርክብ ንክምዕብል ዝገብሮ ፃዕሪ ምንኣዶም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.