Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ደቡብ ኮሪያ መዘነኦም ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኮሪያ ቹንግ ኢዩ ዮንግ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም መዘነኦም ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝፀንሐ ኩለመዳይ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዘድሊ ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጠረ ኩነታት ሰብኣዊ ተግባራት ንምስላጥን እዋን ክረምቲ ስለዝኾነን ሕብረተሰብ ስራሕቲ ሕርሽኡ ንኸሳልጥ በይናዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ምእዋጁ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ስጉምቲ ብማሕበረሰብ ዓለም እናተለዓለ ዝነበረ ስግኣት ብምፍታሕን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ስረሖም ብዝተመዓራረየ ኩነታት ንኽርሑ ክሕግዝ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።

መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ድጋፍ ዘመስገኑ ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምሕታቶም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላማዊ መገዲ ምክያዳ ብምሕባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ውፅኢት መረፃ እናተፀበየት ከምትርከብ ዛሪቦም።

የደቡብ ኮሪያው ውጭ ጉዳይ ሚኒስትር ቹንግ ኢዩ ዮንግ በበኩላቸው የሁለቱን ሃገራት ታሪካዊ ግንኙነት ለማጠናከር መንግሥታቸው ቁርጠኛ መሆኑን፥ የኢትዮጵያ መንግሥት ሰብዓዊነትን በማስቀደም በተናጥል ያወጀውን የተኩስ ማቆም ውሳኔ እንደሚደግፉ ገልጸውላቸዋል

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኮሪያ ቹንግ ኢዩ ዮንግ ብግደኦም፥ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራትንምጥንኻር መንግስቶም ቆራፅ ከምዝኾነን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣውነት ብምቕዳም በይናዊ መወቁራፅ ተኹሲ ምእዋጁ  ከምዝድግፉን ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ብሰላማዊ ኩነታት ብምዝዛሙ ድማ ንመንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.