Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፀሓፊት ኤጀንሲ ልምዓት ፍሪካ ልማት – ንሓዱሽ ምሕዝነት ልምዓት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪአ ደመቀ መኮንን ምስ ዋና ፀሓፊት ኤጀንሲ ልምዓት ፍሪካ ልማት – ንሓዱሽ ምሕዝነት ልምዓት ኣፍሪካ ናርዶስ በቀለ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኣተገባብራ መርሃ ግብሪታት ልምዓት ኔፓድን ግደ ሃገራትን ትኹረት ብምግባር ተመያይጦም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ መርሃ ግብሪታት ልምዓት ኔፓድ ኣብ ኣፍሪካ ድኽነት ንምንካይ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ፃዕሪ ርኡይ ሓገዝ ኣለዎ፡፡

እቶም መርሃ ግብሪታት ልምዓት ተፈፀምቲ ንኽኾኑ ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ እዋናዊ ኩነታ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም እውን ነተን ዋና ፀሓፊት ገለፃ ገዩሮምለን፡፡

መንግስቲ ሰላም ንምፅናዕን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ትኹት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣገንዚቦም፡፡

ናርዶስ በቀለ ብግደአን÷ መርሃ ግብሪታት ልምዓት ኔፓድ ዛዕባ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ብዝብል ንዝሓዞም ትልሚታት ልምዓት ንምዕዋት ወሳኒ ግደ ከምዝህልዎም ገሊፀን።

ኔፓድ ዝሃቀኖም ትልሚታ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ዘለዉ ጉድለታት ፋይናንስ ንምምላእ ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሃፍቲ ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።

ኔፓድ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ልምዓት ኣብ ዘፈራት ሕርሻ፣ ሳይንስን ቴክንሎጂን፣ ደቀቕቲን ማእኸለዎትን ኢተርፕራይዛት ከምኡ እውን መሰል ኣብ ዝኾኑ ዓውዲታት ብሓባር ከምዝሰርሕ ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.