Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣባላት ቦርድ ፋውንዴሽን ቢግ ዊን ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን መቐመጢኡ ኣብ እንግሊዝ ምስ ዝገበረ ኣባላት ቦርድ ፋውንዴሽን ቢግ ዊን ተዛትዮም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ፀገም ድኽዳኸ ንምውጋድ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ እቲ ፋውንዴሽን ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ኣድኒቖም።

ፋውንዴሽን ቢግ ዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንኽምዝገብ ኣብ ወፍሪ ፈጠራ ዕድል መናእሰይ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ዝነኣድ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ኣባላት ቦርድ ፋውንዴሽን ቢግ ዊን ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶም ዘሎ ኩለመዳይ ስጉምቲታት ዘበረታትዑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቶም ኣባላት ቦርድ፥ ኣብታ ሃገር ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ንኽምዝገብ ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምርግጋፆም ካብ ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.