ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ተጠባባቒ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ርክብን ሶማሊያ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ጠቅላይ ሚኒስትር እና የውጭ ጉዳይ ሚኒስትር አቶ ደመቀ መኮንን ምስ ተጠባባቒ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ርክብን ሶማሊያ ባላል ሞሀመድ ኦስማን ኣብ ክልተኣዊን ጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ብምትሕብባር ዝሰርሑሎም ብዙሓት ዓውዲታት ከምዘለዉ ብምዝኽኻር፤ ብፍላይ ኣብ ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዘለዎም ምንቅስቓስ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣብ ስምምዕ በፂሖም።
ኣይተ ደመቀ መኮንን ሶማሊያ ዕዉት መረፃን ምስረታ መንግስቲን ብምክያዳ ዝተሰመዖም ሓጎስ ነቶም ተጠባባቒ ሚኒስትር ገሊፆምሎም።
ተጠባባቒ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ርክብን ሶማሊያ ባላል ሞሀመድ ኦስማን ብግደኦም፥ ሓዱሽ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብታ ሃገር ሰላም ንኸዓስል ፍሉይ ትኹረት ከምዝሃበን በዚ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ምስርሑ ከምዝቕፅ ተዛሪቦም።
ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሕበርት ክልቲአን ሃገራት ክጠናኸር ከምዝግበኦ ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com