Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ልኡል ፈይሰል ቢን ፈርሃን ኣልሳኡድ ተዛቲዮም፡፡

እቲ ዘተ ጎድና ጎድኒ ኣብ ዳቮስ እናተኻየደ ዝርከብ ኢኮኖሚክ ፎረም ዓለም እንትኸውን÷ ኣብ ዘተኦም ድማ ክልተኣዊን እዋናዊን ጉዳያ ትኹረት ገይሮም፡፡

ካብዚ በተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ዜጋታት ጠሚቶም ዝተዛተዩ እንትኾኑ÷ ኣብቲ ጉዳይ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ተቐራሪበን ክሰርሓ ከምዝግበአን ምዝርራቦም ሓበሬታ ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ የመላኽት፡፡

ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለወን ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ንምክያድ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.