Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም÷ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ÷ “ኣብቲ ጉባኤ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪት፣ ኣምባሳደራት ከምኡ እውን ተወከልቲ ካልኦት ሃገራ ተረኺቦም” ኢሎም።

“ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪባ ኣላ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኮነን” ዝበሉ እቶም ኣቐባሊ ቃል÷ በዚ ድማ ኢትዮጵያ መዲና ፖለቲካ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ማእኸል ዲፕሎማሲ ኣፍሪካውያን ከምዝኾነት ዘረጋገፀትሉ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ትማሊ ዝቐፀለ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እውን ብዝተፈላለዩ ዛዕባታት ከምዝቐፀለ ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ጋቦን፣ ጋምቢያ፣ ማላዊ፣ ሊቢያን ቱኒዚያን ከምዝተዛተዩ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዘተ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ክልተኣዊ ርክብን ዝምልከት እንትኸውን÷ ኣይተ ደመቀ  ንሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ እተን ሃገራት እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብሪሆምሎም።

ኢትዮጵያ ንሰላም ትህቦ ቦታ ዓብዪ ከምዝኾነን መንግስቲ ነዚ ብቖራፅነት እናሰርሐ ከምዝኾነን ኣብ መግለፂኦም ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሚኒስትራት ብግደኦም÷ ሃገሮም ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ብምግላፅ ፀገም ኢትዮጵያ ናይ ካልኦት እውን ፀገም፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ናይ ካልኦት ምዕባለ ከምዝኾነ ምግላፆም ኣብሪሆም።

ብታሪኩ ለገሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.