Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ተመያይጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ሼክ ኣብዱላሂ ቢን ዛይድ ተመያይጦም፡፡

 

ኣብ እዋን እቲ ዘተ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘድሃበ ዘተ ኣካይዶም፡፡

 

ኣይተ ደመቀ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓት ብሕብረት ኣፍሪካ ኣደራደርነት ዝተፈረመ ስምምዕነት ገለፃ ጌሮምሎም፡፡

 

እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ንምግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቖራፅነት ከምዝስርሑ ዘረጋገፁ ኣይተ ደመቀ፤ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ድጋፍ ንዝገብሩ ዘለዉ ኣካላት ምስጋና ምቕራቦም ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

ብተወሳኺ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ክልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻር፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምዕባይ ብወገን ኢትዮጵያ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ኣብራህሪሆም፡፡

 

ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ሼክ ኣብዱላሂ ቢን ዛይድ ብግደኦም፤ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም፡፡

 

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ፍሉይ ምኻኑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ፤ ርክበን ብዝምጥን መልክዑ ብዓዉዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምዕባይ ክስራሕ እዩ ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.