Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጄፈሪ ፊልትማን ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ አዋን ዘተ ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝግበር ኲናት ብዛዕባ ዝቋፀሉ መገዲ ሓሳብ ኣሜሪካ እንታይ ከምዝኾነ በቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣቢሉ ዝተገሎም እንትኸውን፥ ኣይተ ደመቀ እውን ቅዋም ኢትዮጵያ ኣብሪሆም።

ኣብ ኮምቦልቻን ላሊበላን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕሉ በረራታት ከምዝተፈቐዱ ዝገለፁ ኣይተ ደመቀ፥ ናብ ትግራይ እውን 369 ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ንኸኣትዋ ከምዝተፈቐደ ገሊፆምሎም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታት ኣሜሪካ ብዝምልከት እውን ልዝብ ገይሮም ኢዮም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕዚ እውን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ እናፈፀመን ልዑል ሰብኣዊን ኢኮኖሚያዊን ዕንወወት ከምኡ እውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስብራት እናብፀሐ ከምዝኾነን ካብቶም ክልላት ለቒቑ ንኽወፅእ ድፍኢት ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣይተ ደመቀ መኮንንነ ኣተሓሳሲቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.