Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ላዕለወይቲ ተወካሊት ውድብ ሕራት መንግስታት ተዛቲየም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ላዕለወይቲ ተወካሊት ውድብ ሕራት መንግስታት ኣምባሳደር ራባብ ፋጢማ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲየም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ዘተኦም፥ ብልምዓት ድሕሪት ዝተረፋ ሃገራት፣ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራትን ኣናእሽተይ ደሴታትን ምትሕብባር ደቡብ ደቡብ ብምጥንኻር ሽቶታት ምንካይ ድኽነትን ዘላቒ ልምዓትን ንምዕዋት ምንቅስቓስ ከምዝግባእ ገሊፆም።

እዘን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝህልወን ተሳትፎ ብልምዓት ዝማዕበላ ሃገራ ሓገዝ ፋይናንስ ንኽገብለን ሓበራዊ ፃዕሪ ዲፕሎማስ ምግባር ከምዝድሊ ኣገንዚቦም።

እዚ ተግባራዊ ንምግባር ግደ ፎረም ዶሃ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ራባብ ፋጢማ ብግደአን፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብልምዓት ድሕሪት ዝተረፋ ሃገራት፣ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራትን ኣናእሽተይ ደሴታትን ካብ ድኽነት ወፂአን ናብ ዝሓሸ ስግግር ዕቤት ንኽሰጋገራ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፀን።

ኢትዮጵያ እውን ኣባል እዚ ጉጅለ ስለዝኾነት ናይ ባዕላ ግደ ንኽትፃወት እተን ኣምባሰቃር ፃውዒት ምቕራበን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.