ኣይተ ደመቀ መኮነን ተቐማጥነቶም ኣብ ብራስለስ ንዝኾኑ ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮፓ መብርሂ ሂቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣2014 (ኤፍ ቢሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ተቐማጥነቶም ኣብ ብራስለስ ንዝኾኑ ኣምባሳደራት ኮሚቴ ፀፅታን ፖለቲካን ሕብረት ኣውሮፓ መብርሂ ሂቦም።
እቲ መብርሂ፥ ሰብኣዊ ደገፋት፣ መንግስቲ ዘቕረቦም ኣማራፅታት ሰላም፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንዝፈፀሙ ኣካላት ዝግበር ተሓታትነትን ብሄራዊ ዘተን ዝጥምት ኢዩ።
መንግስቲ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምዃን ብዝገበሮ ዝተዋደደ ፃዕሪ ኣብ ትግራይ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ደገፍ ምቕራቡ ኣብሪሆም።
ፍሉይ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኾኑ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ነቲ ፀገም መፍትሒ ንምንዳይ ምስ መንግስቲን ካልኦት ኣካላትን ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።
በዚ ድማ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ባህጊን ቅንዕናን የርእይ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።