Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ብሴናተር ክሪስ ኩንስ ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ ሴናተር ክሪስ ኩንስ ዝገበርዎ ዘተ ሃናፃይ ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስትር  ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ኣፍቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብወገን መንግስቲ ኣሜሪካ ዘሎ ምድንጋር ከፅሪ ዝኽእል እኹል መብርሂ ኣይተ ደመቀ መኮነን ከምዝሃቡ ገሊፆም።

ሴናተር ክሪስ ብግደኦም፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ቁልፊ መሻርኽቲ ምዃና ገሊፆም።

ኣብታ ሃገር ዝግበር ዝኾነ ኣሉታዉ ጉዳይ ኣሜሪካ ከዝተሓሳስባ ብምሕባር፥ ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ሓቲቶም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.