Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ህንዲ ሱብራህማንያም ጃይሻንከር ዘቲዮም።

ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ጎንፂ ኣብ ዝነበረሎም ከባቢታት ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ደገፍን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናይ ምጅማር ከይዲን ብዝምልከት ኣብቲ ዘተ መብርሂ ሂቦም።

ብተወሳኺ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ዝገብሮም ዘሎ ተግባራት ብዝምልከት መብርሂ ከምዝሃቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ህንዲ ኣብ ቤት ምክሪ ፀፅታ ውሕመ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ጎንፂን ህዳሰ ግድብን ብዝምለከት ዝገበረቶ ደገፍ ንኢዶም።

ሱብራህማንያም ጃይሻንከር ብግደኦም፥ ብምኽኒያት ኮቪድ ዘይተሳለጠ ኣኼባ ኣፍሪካ ህንዲ ኣብዚ ዓመት ከምዝካየድ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.