Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ካቩሶጉሉ ኣብ ኣቡዳቢ ዘትዮም።

ኣይተ ደመቀ ብኣሰናዳእነት ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ዝተዳለወ መድረኽ የሰር ያሲ ባን ጎድና ጎድኒ እዩ ምስ ቱርካዊ መዘነኦም ተዘራሪቦም።

ኣብ ዘተኦም ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና ሃገራትን ዝተፈላለዩ ጉዳያትን እዮም ዘቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ነቶም ሚኒስተር መብርሂ ሂቦም።

መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋጽ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘመን ተሳጋሪን ድልዱል ዝምድና ዘለወን ሃገራት ምዃነን ዝጠቐሱ ኣይተ ደመቀ፡- ኣብዚ እዋን’ዚ ዝምድናአን ዘጠናኽሩ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ይካየድ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪ ሜቭሉት ካቩሶጉሉ ብግደኦም፡- መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዘተ ንምፍታሕ ስምምዕ ሰላም ብምፍራሙ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

ሰላም ኢትዮጵያ ንምርግጋዕ እቲ ዞባ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፡- ነቲ ስምምዕ ሰላም ንምትግባርን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ቱርኪ ሙሉእ ደገፍ ከምእትገብር ኣረጋጊፆም።

ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ዝምድና ብኹሉ መዳያት ኣጠናኺራ ከም እትቅጽል ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.