Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣደም ፋራህ ከይዲ ህንፀት ሸቤልለይ ሪዞርት ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ሀንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን መከትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝኾነ ከይዲ ህንፀት  ሸቤልለይ ሪዞርት ርእዮም።

ኣይተ ኣደም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ ከተማ ጅግጅጋ 25 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከብ ኣብ ዞባ ፋፈን ወረዳ ሸቤልለይ ዝተጀመረ ህንፀት ሸቤልለይ ሪዞርት 10 ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ሪዞረት ኣብ ውሽጡ ንመስሕብ ሃወፅቲ ዘገልግል 8 ዘበናዊ መንደራት፣ 3 ሰብ ስራሕ ሓፅቢታት፣ ነቲ መንደር ዘገልግሉ 13 ኪሎ ሜትሮ ኮንክሪት ኣስፋልት ህነፀት ከምኡውን ናይ ማይ፣ መብራህቲን ቴሌኮምን መሰረተ ልምዓታት ከምዘለውዎ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.