Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ገንዘብ ዓውዲ ውልቀ ንምምዕባል ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ገንዘብ ዓውዲ ውልቀ ንምምዕባል ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ንኢዶም።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ገንዘብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጁሞኬ ጃጉን ዶኩሙ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም እቲ ትካል ንዓውዲ ውልቀ ዝኸውን ምቹው ኩነታት ንምፍጣር መሰረት ንዘንበሩ ፕሮጀክትታት ኣዋፃኣይነት ቴክኒክን ኢኮኖሚን ዘለዎም መፅናዕቲታት ይገብር ከምዘሎ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓውዲ ቴሌኮሙዩኒኬሽን ንዓውዲ ውልቀ ናይ ምኽፋት ከይዲ ንምፍፃም ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እቲ ትካል ዘርኣዮ ደገፍ ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ገንዘብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጁሞኬ ጃጉን ዶኩሙ ብግደኦም፥ ትካሎም ምስ ኢትዮጵያ ፅኑዕ ርክብ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ውልቀ ኢንቨስትመንት ይድግፍ ከምዘሎ እውን መብረሆም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.