Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ጅቡቲ ብሚኒስትር ኢነርጂ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብ ጅቡቲ ብሚኒስትር ኢነርጂ እታ ሃገር ዮኒስ አሊ ገዲ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም።

ኣበረ ዘተኦም÷ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ሆራይዘን ተርሚናል ንኢትዮጵያ ነዳዲ ናይ ምሃብ ኣገልግሎት ኣብ ዘጠናኽሉ ጉዳይ ትኹረት ገይሮም፡፡

ሆራይዘን ተርሚናል ንኢትዮጵያ ዝህቦ ኣገልግሎት ኣብ ምቅልጣፍን ኣብ ዝርገሐ ነዳዲ ዝፍጠር ምቁርራፅ ከይፍጠርን ክፍተት እንተይተፈጠረ ግቡእ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዝከኣለሉ ኣግባብ ከምዝተዛተዩ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ የማላኽት።

ኣዋሽ ዴፖ ምስ ሆራይዘን ተርሚናል ጅቡቲ ብባቡር ንምርኻብ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ተጓቲቶም ዝፀንሑ ስምምዕነታት ብህፁፅ ብክልቲኦም ወገናት ብዝተቐመጡ ኮሚቴታት ቴክኒክ ተራኢዩ ናብ ስምምዕነት ብምብፃሕ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም ውዕሊ ተፈሪሙ ህንፀት ንምጅማር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተሓቢሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.