Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ሉእኻት ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ምስ ሓጋዚት ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ሞሊ ፊ፣ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ አምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋንን ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ብዛዕባ ኩነታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ ተስፋታትን እናተኻዱ ዝርከቡ ምምሕያሻት ማክሮ ኢኮኖሚ፣ ንስራሕቲ ዕቤት ወሰንቲ ዝኾኑ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣሜሪካ መብርሂ ከምዝሃቡ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ክልቲኦም ወገናት ኢትዮጵያ ድሕሪ ጎንፂ ዘለዋ ኢኮኖሚ፣ ምንስዕራርን ሰብኣዊ ሓገዛትን ብዝምልከት ብሓባር ንምስራሕ፣ ምስ ኣይኤምኤፍን ባንኪ ዓለም ሓገዝ ኣብ ምትእኽኻ ሃናፂ ዝበሃል ዘተ ከምዝገበሩ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.