Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ኣብ ወደብ ዶራሌ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትሩ ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ በዓል ብዙሕ ዕላማ ወደብ ዶራሌ ዑደት ኣሳሊጦም፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ከምዘፍለጡዎ÷ ዑደት እቶም ሚኒስትር፤ ብወደብ ዶራሌ ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር ፍሰት ኣተውቲን ወፃእቲነ ፍርያታት ንምዕዛብ ዝዓለመ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ዑደት ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ምንቅስቓስ ፅዕነት ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ)ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም፡፡

በዓል ብዙሕ ዕላማ ወደብ ዶራሌ ኣብ ጥቓ ከተማ ጅቡቲ ዝርከብ እንትኸውን፤ መዳበሪያ ሓዊሱ ወፃእቲን ኣተውቲን ፍርያታት ኢትዮጵያ ፅነታት ካርጎ ዝግበሩሉ ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.