Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣህመድ ሽዴ መበል 20 ኣኼባ ኢኒሼቲቭ ሚኒስትራት ቀርኒ ኣፍሪካ መሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይዚ እዋን ኣቦ መንበር ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ጎድና ጎድኒ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለም መበል 20 ኣኼባ ኢኒሼቲቭ ሚኒስትራት ቀርኒ ኣፍሪካ መሪሖም፡፡

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ÷ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ዝኾኑ ቪክቶሪያ ክዋክዋ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም፡፡

ኣብቲ ኣኼባ÷ ሚኒስትራት ገንዘብ ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ተወከልቲ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ባንኪ ዓለምን ከምኡ እውን ትከልቲ ጀርመንን ብሪታኒያን ተሳቲፎም፡፡

ኣብ መበል 20 ኣኼባ ኢኒሼቲቭ ሚኒስትራት ቀርኒ ኣፍሪካ ባንኪ ዓረብ ኣብ ኢኮኖሚ ልምዓት ኣፍሪካ፣ ፈንድ ልምዓት ስዑድ ዓረብ፣ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካን ጃፓንን ብምሕዝነት ከምዝተሳተፉ እውን ተገሊፁ፡፡

ኣኼባ ኢኒሼቲቭ ሚኒስትራት ቀርኒ ኣፍሪካ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብኣባልነት ብምክታ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ዝተመሰረተ እንትኸውን÷ ኣብቲ ዞባ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ንምጥንኻር እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣመላኺቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.