ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ምስ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጃይ ባንጋን ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እቲ ትካልን ኣብ ዘለዉ ሓበራዊ ጉዳያትን ሰናይ ርክቦም ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ጥኹረት ገይሮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ቅድሚት ኣብ ትህቦም ዓውዲታት ልምዓት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ፡፡
ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ብባንኪ ዓለም ዝድገፉ ፕሮጀክታት ኣብ ኢትዮጵያ ንቀንዲ ሕቶታት ልምዓት ምላሽ ኣብ ምሃብ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ገሊፆም፡፡
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያና ባንኪ ዓለምን ዘሎ ምትሕብባር ልምዓትን ዘላቒን ምዕባለ ንምምዝጋብን ከምዝሕግዝ እውን ኣመልኪቶም፡፡
እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ዝሐሸ መንፈስ መፍረያይነትን ተወዳዳራይነትን ኢኮኖሚያዊ ስግግር ንምቅልጣፍ ዝተሓሰበ ካልኣይ ገር ዛዕባ በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ከጋጥሙ ብዛዕባ ዝኽእሉ ፅቡቓት ዕድላትን ፈተናታትን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡
ብመንፅር ድሌት ምልማዕ እታ ሃገርን ማሕለኻታት ማክሮ ኢኮኖሚን÷ ኢትዮጵያ እዚ ዓብዪ ዛዕባ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ ተግባራዊ ንኽትገብር ባንኪ ዓለም ሓገዝ ንኽገብር ነቶም ፕሬዚዳንት ሓቲቶምዎም፡፡
ድኽነት እናስዐቦ ዝርከብ ፍሉይ ዕንቅፋት ኣብ ግምት ዘእተወ ምላሽ ካብቲ ባንኪ መመሓየሺ ከይዲ ከምዝፅበዩን ብፍላይ ሓገዝ እቲ ባንኪ ትሑት ኣታዊ ምስ ዘለወን ሃገራት ህፁፅ ጠለብ ክጠዓዓም ኣብ ምግባር ለውጢ ከምዝፅበዩን ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ባንኪ ኣብ ዘካየዶ ከይዲ ለውጢ ኣብ ሓፂር እዋን ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ከምኡ እውን ዓቕሚ ፋይናንስ እቲ ባንኪ ንምድንፋዕ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተወሰዱ ውፅኢታዊ ስጉምቲታት ብዝምልከት ነቶም ፕሬዚዳንት ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com