Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ሴካፋ  ብምዃን ዳግም ተመሪፆም

አዲስ አበባ፣ ታኅሣሥ 28፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ (ሴካፋ)  ብምዃን ዳግም ተመሪፆም።

ሓፈሻዊ ጉባዔ መረፃ ሴካፋ÷ ኣመራርሓታት ፎዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣባል ሃገራት ኣብ ዝተረኸባሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዛንዚባር ተኻይዱ።

ብመሰረት እዚ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ምክትል ፕሬዚዳንት ብምዃን ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ንኸገልግሉ ዳግም ከምዝተመረፁ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣይተ ኢሳይያስ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2018 ጀሚሮም ምክትል ፕሬዚዳንት ሴካፋ ብምዃን እናገልገሉ ይርከቡ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተገበረ ካሊእ መረፃ÷ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ታንዛኒያ ዋላስ ካሪያ ዳግም ብፕሬዚዳንትነት ተመሪፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.