Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ድሕሪ ለውጢ ንዝተሳለጡ ተግባራት ሰልፊ ብምክያድ ድጋፍ ንዝገበሩ ኣካላት ኣመስጊኖም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ኩለመዳይ ምዕባለ ክነረጋግፅ ኢና” ኢሎም፡፡

ናፅነት፣ ማዕርነትን ህብረ ብሄራዊ ሕውነትን ዋሕስ ሓድነት ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኩሎም ከባቢታ ክልል ኦሮሚያ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ብዕቱብ ብምውፃእ ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወትን እቲ ዓወት ክቕፅል ንምግባርን ዘለዎም ድጋፍ ገሊፆም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ፥ ንናፅነት፣ ንማዕርነትን ፍትሒን ዝተኻየደ ቃልሲ ከምኡ እውን ድሕሪ ለውጢ ንዝተመዝገቡ ዓወታትን ኣፍልጦ ከምዝሃቡ ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.