Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብሰላም ንኽኽበር ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ መልእኽቲ ምስጋና ኣመሓላሊፎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ “በዓል ኢሬቻ ሕውነታዊ ክብርታቱን ዕቤት ህዝቢ ኦሮሞን ብዘርኢ መልክዑ ብሰላም ምዝዛሙ ንፈጣሪ ብምምስጋን ዝተሰመዐኒ ሓጎስ ይገልፅ” ኢለም።

እቲ በዓል ብኸምዚ ፀቢቑን ማዕሪጉን ከምኡ እውን ክብሪታቱ ሓሊዩ ንኽኽበር ኣስተዋፀኦ ዝገበሩ ኩሎም ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ “ብፍላይ ህዝቢ እቲ በዓል ሕውነታዊ ብሄር ብሄረሰብ ክድንፍዕ ብምግባር ንኽኽበር ብምግባርኩም ምስጋና ይግበአኩም ኢሎም።

ኣባ ገዳታትን ሃደ ሲንቄታትን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኣካላት ፀፅታ፣ ናይ ውሽጢን ወፃኢን መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ምስጋና ከምዝግበኦም እውን ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ፅባሕ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ሆራ ኣርሰሰዴ እውን ከም ናይ ሎሚ መዓልቲ ክብሪታቱ ሓሊዩ ንኽኽበር ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.