Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሽመልስ ብክላስተር ኣብ ዝተሓረሰ ሕርሻ መሬት ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ሸሸመኔ ብክላስተር ኣብ ዝተሓረሰ ዝራእቲ ሕርሻ ምሸላ ባሕሪ ዑደት ገይሮም።

እቶም ብክላስተር እናሓረሱ ዝርከቡ ሓረስቶት ቅድሚ ሕዚ ብዝተበታተነ መልክዑ ይስራሕ ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምግዳፍ ብክላስተር ምሕራስ ምጅማሮም ካብ ሓደ ሄክታር መሬት ክሳብ 30 ኩንታል ንምርካብ ተስፋ ገይሮም ንኽፅበዩ ከምዝገበሮም ነቲ ልኡኽ ዕደተኛታት ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ወረዳ 8 ሺሕን 556 ሄክታር መሬት ብክላስተር ሕርሻ ብኣዳጉራ ከምዝተሸፈነ ሓላፊ ቤት ፅኽፈት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ በሪሶ ፈይሳ ገሊፆም።

እቲ ልኡኽ ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ኣብ ወረዳ ሻላ ተረኺቡ ብሁውከትን ዕግርግርን ዓኒዮም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብተሳትፎ መንግስቲን ህዝቢን ዳግም እናተሃነፁ ኣብ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲን ትካላት ንግዲን ዑደት ኣካይዱ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.