Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ማሞ ምህረቱ ምስ ቢል ጌትስ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ ምስ መስራቲን ኣቦ መንበርን ፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትስ ዝኾኑ በዓል ሃፍቲ ቢል ጌትስ ተዛረቲዮም።

ቢል ጌትስ ምስ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱን ምስ ዋና ዳይሬክተር ዲጂታል ፕሮጀክት ብሄራዊ መታወቂያ ዮዳሄ ኣርዓያስላሴን ኣብ ዝገበሩዎ ውፅኢታዊ ዘተ፤ ዘሎ ምሕዝነት ምጥንኻር ብዛዕባ ዝከኣለሉ ኩነታትን ኣሳታፋይነት ዲጂታል ፋይናንስን ኣድሂቦም ተመያይጦም።

ብፍላይ ዞባዊ፣ ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ፆታ ከምኡ እውን ኣብ ምስፍሕፋሕ ኢስላሚክ ፋይናንስ ከምዝተዛተዩ ሓበሬታ ብሄራዊ ባንኪ የመላኽት።

ፋውንዴሽን ቢልን ሜሊንዳ ጌትስ÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዲጂታል  መሰረተ ልምዓት ኣብ ምስፋሕ ስግግር ዲጂታልን ኣሳታፋይነት ፋይናንስን ንምርግጋፅ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ቢል ጌትስ ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.