Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ኣመልኪቶም ምስ ተወከልቲ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣብቲ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ኣመልኪቶም ምስ ተወከልቲ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ኩነታት ድርቂ ኣመልኪቶም ንተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ጂያንፍራንኮ ሮቲግሊያኖን መሳርሕቶምን ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

እቶም ተወካሊ ኣብ ክልል ሶማሌ ዘጋጠመ ድርቂ እቲ ትካልን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን እቲ ድርቂ ንምፅዋር ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ብግደኦም፥ ከም መንግስቲ ኣብ ከባቢታት እቲ ክልል ብዘጋጠመ ድርቂ ዝተጎድኡ ወገናት ንምፅዋር ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ትሽዓተ ዞባታት እቲ ክልል ዝርከባ 80 ወረዳታት ዝነብሩ ዜጋታት ብድርቂ ዝተጎድኡ እንትኾኑ፥ መንግስቲ ሓገዝ ምጉዕዓዝ ምግቢን ማይን እናገበረ ከምዝርከብ ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.